እንታይ ማለት እዩ መባእታዊ /ልልይ ማሕበረሰብ / samhällsorientering?

ሰምዐ

  እንታይ ማለት እዩ መባእታዊ /ልልይ ማሕበረሰብ / samhällsorientering?

መባእታዊ /ልልይ ማሕበረሰብ  ውጥን  ብነጻ ዝወሀብ  ትምህርቲ ወይ አስተምህሮ  እዩ ንሐደሽቲ መጻእቲ መባእታዊ ምፍላጥ ወይ ምርዳእ ብ ዛዕባ ሕብረተሰብ  ሽወደን:  ትሕዝትኡ ኸአ  ክእለት  ወይ ፍልጠት ትቀስመሉ ብዛዕባ መሰልካን ግዴታካን : ብዛዕባ ናይ ሽወደን ዴሞክራሲ ወይ መንግስታዊ ምምሕዳርን  ሕብረተሰብን ከመይ ኢሉ ተጣሚሩ ይከይድ : ዕላምኡ ምስ ናይ ማሕበረሰብ  ውጥን  ብዝቀለለ ምስ ህዝቢ ሽወደን ምትሕውዋስ : ንስካ ነቲ  ትምህርቲ ክትመሀሮ ከለካ ብቌንቌ አዴካ እዩ ትወስዶ ወይ ብናይ ካልእ ቃንቃ  ኮይኑ ግን ጽቡቅ ጌርካ ትመልኮ ምስ ዝኸውን:  ከምኡውን ክፍሊ ንክትመሃርሉ ክትመያየጥሉን  ክወሀበኩም  እዩ : እቲ ትምህርቲ ወይ ኮርስ  ምስ ተወደአ ዲፕሎማ ወይ መረጋገጺ  ምስክር ወረቀት ክወሀበኩም እዩ ::

መን እዩ ናብዚ ትምህርቲ ዝከይድ ?

መባእታዊ /ልልይ ማሕበረሰብ  ውጥን ንዓኻታትኩም  ካብ 18 ዓመት ክሳብ 64 ዓመት: ዘለኩም  ኮይኑ ከምኡውን ንሐደስቲ መጻእትን ንአብ መትከሊ እግሪ ዘሎክምን  ከምኡውን ንአብ  ብቀረባ ትፈልጦ ወይ ቤተሰብ  ሐድሽ መጻኢን:

መባእታዊ /ልልይ ማሕበረሰብ  ውጥን  ንዜግነት ዘለዎም  ንናይ ኤዉሮጳዊ ሕብረት  ኢ. ኢ. ኤስ.  ሀገራትን  ወይ ከአ ንናይ ስዊዘርላንድ : ንብስራሕ ዝመጹን  ወይ ንትምህርትን / ወይ ንዝተወሰነ ንምርምር ዝመጹን ንትምህርቲ አይ ዕድምን እዩ ::

ትሕዝቶ ናይቲ ትምህርቲ እንታይ ይመስል ?

ትምህርቲ ብዛዕባ እቶም መሰላትካን ጉቡእካን  ከምኡውን መባእታዊ ዲሞክራሲ ትሕስትኡን : ብዛዕባ መሰላትካ ምውሳንን ከምኡውን ግዴታነትን ወይ ሕግን  ከምኡውን እቲ ሕብረተሰብ ብከመይ ተጠርኒፉ መዓልታዊ ሂወቱ ከመይ ይሰርሕ::

እዚ ውን ተወሳኪ ዝስዕብ ሸሞንተ አርእስቲ አሎ :

  • ናብ ሽወደን ምምጻእ
  • አብ ሃገር ሽወደን ምንባር
  • አብ ሽወደን ርእስኻ ምኽአልን ምምዕባልን
  • መሰላትን ግቡአትን ውልቀሰብ
  • ሓዳር መስሪትካ ምስ ቄልዑ ምንባር
  • ጽልዋ ምግባር አብ ሽወደን
  • አብ ሽወደን ጥዕናኻ ምሕላው
  • አብ ሽወደን ብዕድመ ምድፋእ

ምምልካት

እንተደአ ንስካ ወይ ንስኪ አብ ውጥን መትከሊ እግሪ አለኪ/ካ ብመንገዲ ቤት/ጽሕፈት መራኸብቲ ስራሕ ናትካ ተሐታቲ ወይ ተጣባቂ (ሃንድሌዳሬ) ከመልክተልካ እዩ ሐብሮ : ወይ እንተድአ ቀረባ ቤተሰብ ወይ ትፈልጦ ዝሕግዘኻ እንተሎ አብቲ መመልከቲ ገጻት መመልከቲ  ቅጥዕታት ዘሎ ” ከተመልክት ትክእል ኢካ ” ::

ከተመልክት ትክእል ኢካ