እንታይ ማለት እዩ መባእታዊ /ልልይ ማሕበረሰብ / samhällsorientering?
መባእታዊ /ልልይ ማሕበረሰብ ውጥን ብነጻ ዝወሀብ ትምህርቲ ወይ አስተምህሮ እዩ ንሐደሽቲ መጻእቲ መባእታዊ ምፍላጥ ወይ ምርዳእ ብ ዛዕባ ሕብረተሰብ ሽወደን: ትሕዝትኡ ኸአ ክእለት ወይ ፍልጠት ትቀስመሉ ብዛዕባ መሰልካን ግዴታካን : ብዛዕባ ናይ ሽወደን ዴሞክራሲ ወይ መንግስታዊ ምምሕዳርን ሕብረተሰብን ከመይ ኢሉ ተጣሚሩ ይከይድ : ዕላምኡ ምስ ናይ ማሕበረሰብ ውጥን ብዝቀለለ ምስ ህዝቢ ሽወደን ምትሕውዋስ : ንስካ ነቲ ትምህርቲ ክትመሀሮ ከለካ ብቌንቌ አዴካ እዩ ትወስዶ ወይ ብናይ ካልእ ቃንቃ ኮይኑ ግን ጽቡቅ ጌርካ ትመልኮ ምስ ዝኸውን: ከምኡውን ክፍሊ ንክትመሃርሉ ክትመያየጥሉን ክወሀበኩም እዩ : እቲ ትምህርቲ ወይ ኮርስ ምስ ተወደአ ዲፕሎማ ወይ መረጋገጺ ምስክር ወረቀት ክወሀበኩም እዩ ::
መን እዩ ናብዚ ትምህርቲ ዝከይድ ?
መባእታዊ /ልልይ ማሕበረሰብ ውጥን ንዓኻታትኩም ካብ 18 ዓመት ክሳብ 64 ዓመት: ዘለኩም ኮይኑ ከምኡውን ንሐደስቲ መጻእትን ንአብ መትከሊ እግሪ ዘሎክምን ከምኡውን ንአብ ብቀረባ ትፈልጦ ወይ ቤተሰብ ሐድሽ መጻኢን:
መባእታዊ /ልልይ ማሕበረሰብ ውጥን ንዜግነት ዘለዎም ንናይ ኤዉሮጳዊ ሕብረት ኢ. ኢ. ኤስ. ሀገራትን ወይ ከአ ንናይ ስዊዘርላንድ : ንብስራሕ ዝመጹን ወይ ንትምህርትን / ወይ ንዝተወሰነ ንምርምር ዝመጹን ንትምህርቲ አይ ዕድምን እዩ ::
ትሕዝቶ ናይቲ ትምህርቲ እንታይ ይመስል ?
ትምህርቲ ብዛዕባ እቶም መሰላትካን ጉቡእካን ከምኡውን መባእታዊ ዲሞክራሲ ትሕስትኡን : ብዛዕባ መሰላትካ ምውሳንን ከምኡውን ግዴታነትን ወይ ሕግን ከምኡውን እቲ ሕብረተሰብ ብከመይ ተጠርኒፉ መዓልታዊ ሂወቱ ከመይ ይሰርሕ::
እዚ ውን ተወሳኪ ዝስዕብ ሸሞንተ አርእስቲ አሎ :
- ናብ ሽወደን ምምጻእ
- አብ ሃገር ሽወደን ምንባር
- አብ ሽወደን ርእስኻ ምኽአልን ምምዕባልን
- መሰላትን ግቡአትን ውልቀሰብ
- ሓዳር መስሪትካ ምስ ቄልዑ ምንባር
- ጽልዋ ምግባር አብ ሽወደን
- አብ ሽወደን ጥዕናኻ ምሕላው
- አብ ሽወደን ብዕድመ ምድፋእ
ምምልካት
እንተደአ ንስካ ወይ ንስኪ አብ ውጥን መትከሊ እግሪ አለኪ/ካ ብመንገዲ ቤት/ጽሕፈት መራኸብቲ ስራሕ ናትካ ተሐታቲ ወይ ተጣባቂ (ሃንድሌዳሬ) ከመልክተልካ እዩ ሐብሮ : ወይ እንተድአ ቀረባ ቤተሰብ ወይ ትፈልጦ ዝሕግዘኻ እንተሎ አብቲ መመልከቲ ገጻት መመልከቲ ቅጥዕታት ዘሎ ” ከተመልክት ትክእል ኢካ ” ::